ተለቪዥን ሽወደን፡ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ኣረጋውያን ምምሕያሽ የርእዩ ከምዘልዎ ትገልጽ። ኣብ መብዛሕትአን እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ኣረጋውያን ኩነታቶም ምምሕያሽ የርኢ ከምዘሎ ካብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝተረኽቡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ሆስፒታል ብሮማ (Bromma)፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ብቫይረስ ኮሮና ንዝተለኽፉ ኣረጋውያን ዝኣንገዳ ሆስፒታላት፡ ካብ ዝርከቡ ሕሙማት ብገምጋም ካብ 10 ኣረጋውያን እቶም 7 ከምዝሓወዩ እቲ ጸብጻብ ንተለቪዥን ሽወደን SVT ሓቢሩ።
ኣባላት ጨንፈር መናበይ ዓበይቲ’ቲ ሆስፒታል በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጥዕናዊ ምምሕያሽ ዕጋበት ከምዝተሰመዖም ተለቪዥን ሽወደን ኣመሓላሊፉ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዓቢ ሓደጋ ዘውርድ ቫይረስ ምዃኑ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ምርካብና ኣወንታዊ ተመክሮ እዩ። ኣብዚ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 መብዛሕትኦም ኦክስጂን፡ ጸረ ነፍሳትን ዝተመጣጠነ መግብን ዘድልዮም ኮይኖም ንውሕ ዝበለ ምሕዋይ መስርሕ ዝጽበዮም እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ነዞም ሕሙማት ንምሕጋዝ ብወገንና ዝከኣለና ክንጽዕር ኣለና ክብል ኣብቲ ሆስፒታል ስፔሻሊስት ሓኪም ዝኾነ፡ ግሪገር ሰልትማን፡ ሓቢሩ።