፡ሊበራላውያን ንማእከላውያን፥ ዓቃባውያን፡ ክርስትያንን ሽወደናውያን ዴሞክራትን ብምጽንባር ብስራሕ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ስደተኛታት ስድራኦም ምስኦም ክጥርነፉ ንዝብል ሓሳብ እዂል ደገፍ ክህብዎ ምዃኖም ገሊጾም።
“ስድራቤት ምምጻእ ቀሊል ዋጋ ዘኽፍል ኣይኰነን። ብፍላይ ብዝሕ ዝበለ ቊጽሪ ዘለዎም ምስ ዝዀኑ” ክብል ናይ ሊበራልውያን ሰልፊ ኣፈኛ ፖሊሲ ስደተኛታት ፍሬድሪክ ማልም ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። SPD ኣብዚ ጒዳይ መግለጺ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቘጠበ፥ ሰልፊታት ከባቢን ጸጋማዊን ነዚ ሓሳብ ምንጻጎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።