ኣብ ቫርምላንድ (Varmland) ትርከብ ምምሕዳር ቶሽቢ (Torsby) ብብቕዓት ዓይነት ኣመሃህራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ምምሕዳር ቶሽቢ ኣብዚ ዓመት ነታ ብተኸታታሊ ንሓሙሽተ ዓመታታ ን290 ምምሕዳራት በሊጻ ዝጸንሐት ኣብ ደቡብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ቨሊንግ ብምብላጽ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ክብል ሓድሽ ብዛዕባ ብቅዓት ቤት ትምህርታት ኣብ ምምሕዳራት ኣመልኪቱ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።
ብማሕበር መምህራን ሽወደን ዝሕተም ዓመታዊ ጸብጻብ ብቕዓት ቤት ትምህርታት ናይዚ ዓመት መምዘኒ ብቕዓት ለውጢ ከምዘለዎ ይሕብር። እቲ ሓድሽ ጸብጻብ መምዘኒ ብቕዓት ቤት ትምህርታት ኣብ ውጽኢት ናይቶም ተመሃሮ ውሑድ ኣተኩሮ ዝገበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መምዘኒታት ከም ብዝሒ እኹል ልምምድ ዝወሰዱ (ብቑዓት) መምህራን ዘለወን ቤት ትምህርታት: ነቲ ዘለወን ጸጋታት ብኸመይ የመሓድራ: ብዝሒ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ዝመላለሱ ተመሃሮ: ብዝሒ ብስርዓት ዝመሃሩ ተማሃሮን ንላዕለዋይ ደረጃ ዝቕጽሉ ተማሃሮን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝያዳ ዘቶከረ እዩ ነይሩ።
እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ብወገን መምህራን ከቢድ ነቐፌታ ወሪድዎ ይርከብ። ሕልኽላኽ ዝመልኦ እዩ ክብሉ ድማ ቅሬተኦም ገሊጾም። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ትዕዝብታቶም ናብ መደበር ትምህርቲ ሽወደን ቅድሚ ዕለት 23 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ከቕርቡ ምዃኖም መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ነቲ ካብ 2011 ኣትሒዙ ዘይተቕየረ ስርዓተ ትምህርቲ ናይ ሽወደን ንምምሕያሽ ሓደስቲ ስራሓት ይካየድ ይካየድ ከምዘሎ ይሕበር።
ደረጃታት ናይተን ቀዳሞት 10 ምምሕዳራት ብመንጽር ብቅዓት ቤት ትምህርቲ
1. ቶሽቢ ( Tosby ) 57.25
2. ስቱርፎሽ ( Storfors ) 56.57
3. ካሊክስ ( Kalix ) 56.30
4. ሃምማሮ (Hammarö ) 56.01
5. ቦስታድ ( Båstad ) 55.72
6. በንግስፎሽ ( Bengtsfors ) 55.48
7. ትራኖስ ( Tranås ) 55.42
8. ኤልቭስቢን ( Älvsbyn ) 54.97
9. ዳንደሪድ ( Danderyd ) 54.57
10. ሁፎሽ ( Hofors ) 54.46