ብርክት ዝበሉ ሰብመዚ ሽወደን ዝበለየ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ይጥቀሙ ምህላዎምን እዚ ድማ ንምጽጋኑ ከቢድ ብምዃኑ ንቢልዮናት ክሮነራት ክሳራ ከም እተቓልዐ መንግስቲ ሽውደን ኣፍሊጡ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብመሰረት ሓላፊ ኤጀንሲ ምምሕዳር ፋይናንስ እታ ሃገር ዮሃን ማጉንሰን ኣብ 2016 ኣጠቓላሊ ዋጋ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ክሳብ 30 ቢልዮን ክሮና ይበጽሕ ኔሩ።
ዮሃን ኣብ ማእከል ዲጂታላዊ ሓበሪታ ዮተበሪ ኮይኑ ንጽገና እዚ ብሉይ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ርእሰ ማል ይጠፍእ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ስርዓተ IT ብኣዝዩ ዝበለየ ቴክኖሎጂ ዝድረኽ ብምዃኑ ምጽጋኑ ገዚፍ ወጻኢ ከም ዝሓትትን፥ ዓሚ ጥራይ ሽውደን ንምትካእ እዚ ቴክኖሎጂ ክሳብ 170 ክሮና ወጻኢ ምግባራን ተመልኪቱ’ሎ።