ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ መጠን ዝቕባበ 9.4% ምብጽሑ ብ ስታቲስቲክስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ኣሃዝ ኣመልኪቱ። እዚ
ዝቕባበ ምስ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ኣሃዝ (ማለት 9.3%) እንክወዳደር ብ 0.1% ዝዛይድ ኮይኑ፡ ን መጠን ዋጋ ሸመትቲ፡
ውሱን መጠን ወለድን ዋጋ ጸዓትን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ሽወደን ነቲ ውሱን መጠን
ወለድ ዘለዎ ዋጋ ሽመትቲ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ዝቕባበ መጠን ከም ዝዕቅንን፡ እዚ ድማ ንዝስልዖ መጠን ወለድ ከም
ዝጸሉን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
እዚ እናኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ጥራይ ዋጋ መግቢን ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘይብሉን መስተን ብ 20% ምውሳኹ
“ስታቲስቲክስ ሽወደን” ኣመልኪቱ።
እዚ ወሰኽ ካብ 1950ታት ንደሓር ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።