ዝሰርሕ ማሕበረሰብ ምፍጣር
እዚ ሕጂ ምሳና ዘሎ ደረጃ መንባብሮ ክንቅጽሎ ‘እንተ ደኣ ዄንና ከምኡውን ምስ ኣክባቢ ዚሰማማዕ ናይ ምዕባለ ብዙሕ ፍታሕ ሒዝና ክንቅጽል እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብቲ ናይ ምውዓይን ቨንቲለሽንን ጥዕናን መዳይ ብዙሓት ኴንና ክንሰርሕ ይግበኣና።
ኣባይትናን ኣብያትጽሕፈትናን ሆስፒታላትናን ኣብያተትምህርትናን ኢንዱስትሪታትናን ጽቡቕ ንኽሰርሓ፡ ብዙሕን እተፈላለየን ናይ ተክኒክ ሲስተም ኪህሉ ይግባእ። ንኣብነት ንክሽነን ባኞን ነጻጊ ማይን፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ግሩም ንፋስን ሙቐትን ንምፍጣር፡ ሓደ ሲስተም የድሊ። እዞም ኩላቶም ኣብ ህንጻታት ዚርከቡ መሳለጥያታት ኣብ VVS እዮም ዚስንዑ – VVS ድማ ኣህጽሮተ-ቃል ናይቲ ኣብ ሞያታት ሙቐትን ቨንቲለሽንን ጥዕናን ዚነጥፍ ሞያ እዩ።
ንሓንቲ ብብቕዓት እትሰርሕ ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ክትገብር ትደሊዶ?
ኣብ ኩሉ ናይ መዳያት ህንጸት ዘድሊ ስራሓት ብናይ ምዕቡልን ሓድሽ ተክንኪክን መገዲ ክትስርሕ ትደሊዶ? ስለዚ VVS ንኣኻ ይምልከት እዩ! ኣብ VVS እቲ ናይ ተክኒክ ስራሕ ማእከልነት ዝሓዘ እዩ፡ ይኹንምበር ናይ ስራሕ መዓልታት ፍልይ ዝበለ እዩ።
– ናይ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ጠለብ ዓቢ እዩ፡ እዚ ድማ እተፈላለየ ክእለታት የድልዮ፡ ትብል ናይ ኣገጣጠምቲ ኩባንያ ማሪ ዮንሶን። ካብ ሞያውያን ሰራሕተኛታት ጀሚርካ ክሳዕ መሃንዲሳትን መራሕቲ ስራሕን።
ኣብ VVS ምስራሕ ማለት፡ ኣብ ምፍጣር ናይቲ ዚሰርሕ ማሕበረሰብ ትሳተፍ ኣሎኻ ማለት እዩ።
ምግጥጣም፡ ብምንቅስቓስን ብኣካልን ብተክኒካዊ ፍልጠትን እዩ ዚሰርሕ።
ከም ኣገጣጣምን ተክኒሻንን ኴንካ ኣብ VVS ክትሰርሕ ከሎኻ፡ ተክኒካውን ተንቀሳቓስን ኣካላውን ስራሕ ኢኻ ተካይድ ዘሎኻ። ኣብ ሃገር ሽወደን ናይ ኣገጣጣሚ ወይ ሞንታጆ ስራሕ ዓቢ ደረጃን ጽቡቕ ደሞዝን ግሩም ናይ ስራሕ ሃዋህውን ዘለዎ ኢደጥበብ ምዃኑ ትፈልጥዶ? ዝበዝሑ ናይቲ ስራሕ ዕማማት ስልጠናን ሰርቲፊከይትን የድልዩዎ እዮም። እስከ በዚ ፊልም’ዚ ጌርካ ተሓደስ።
ኩሉ ግዜ ማይን ፎኛቱራን ሙቐትን ጸዓትን ስለ ዘድልየና፡ ኣገጣጠምቲ ድማ ኩሉ ግዜ ከድልዩና እዮም።
– ናይ ማሕበረሰብ ሲስተም ከመይ ገይሩ ከም ዚሰርሕ ምፍላጥ፡ ጽቡቕን ጠቓምን እዩ። ከመይ ጌርና ጽሩይ ማይ ከም እንረክብን፡ ፎኛቱራን ሙቐትን ጸዓትን ከመይ ከም ዚሰርሑን፡ ትብል ማሪ ዮንሶን።
ተወሳኺ ክትፈልጥ ትደሊዶ? ኣብዚ ጠውቕ፡ ከምኡውን ኣብ VVS ከም ኣገጣጣምን ተክኒሻንን መጠን። እቲ ጽሑፍ ብቋንቋ ሽወደን ኢዩ።
ቁጸር፡ ወጥን፡ ኣማዕብልን ምራሕን – ነቲ ስራሕ ከም ኢንጂኒር ብምዃን።
ኣብ VVS ከም መጠን መሃንዲስ ክትሳተፍ ከሎኻ፡ ሰባት ኪሰርሑሉን ኪነብሩሉን ዚኽእሉ ብጸዓታዊ መገዲ ብቑዕ ዝኾነን ግሩም ዚሰርሕ ናይ ውሽጢ ሃዋህውን ኢኻ ትፈጥር ዘሎኻ። ንኣብያተጽሕፈትን ሆስፒታላትን ኢንዱስትሪያታትን ኣባይትን ብግሩም መገዲ ዘገልግሉ ናይ ሙቐትን ማይን መዝሓልን ሲስተማት ኢኻ ትሰርሕ ዘሎኻ።
– እቲ ስራሕ ኣየሰልቹን እዩ፡ ኩሉ ግዜ ሓዲሽ ነገር ይጓነፍ እዩ፡ ትብል ማሪ ዮንሶን።
እስከ በዚ ፊልምና ተሓደስ።
– ወላኳ ናብ VVSዘይኮነስ ናብ ካልእ ዝቐንዐ ናይ ምህንድስና ስልጠና ወሲድካ እንተ ኾንካ፡ ኣብቲ VVSኢንዱስትሪ ስራሕ ንምርካብ ጽቡቕ ዕድል ኣሎካ። እቲ ኩነታት ዚጠልቦ ምስ ዚኸውን፡ ነቲ ዘሎካ ክእለት በቲ ብፍላይ ዚወሃበካ ናይ VVSስልጠና ከተስተኻኽሎ ከድልየካ እዩ፡ ግን ከኣ ዛጊት እቲ መሰረት ኣሎካ፡ ትብል ማሪ ዮንሶን ንኸተተባብዕ።
ተወሳኺ ክትፈልጥ ትደሊዶ? ኣብዚ ጠውቕ እሞ ብዛዕባ ኣብ VVSዚህሉ ናይ ህንደሳ ስራሕ ብተወሳኺ ኣንብብ። እቲ ጽሑፍ ብቛንቋ ሽወደን እዩ።
ብዙሕ ናይ ምዕባለ ተኽእሎታት
ምስ VVS ምስራሕ ዚጅምሩ መብዛሕትኦም ኣይገድፉዎን እዮም – ገሊኦም ኣብ ሓንቲ ሞያ፡ ገሊኦም ድማ ሞያ እናቐየሩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብ ገጠራት ወይ ከተማታት ናይ ባዕሎም ኩባንያ የካዪዱ። VVS ኣብ ሽወደንን ኣብ ዓለምን ኣሽሓት ናይ ሞያ መገዲታት ዘለዎ ናይ መጻኢ ኢንዱስትሪ ኢዩ።
ናይ ምግጥጣም ኩባንያ ነቶም ኣብ ኤለክትሪካዊ ተክኒክን VVSን ዚነጥፉ፡ ኢንዱስትርያውን ወሃብ ስራሕን ውድብ እዩ። ሓደ ካብቲ ናይ ምግጥጣም ኩባንያ ዕማም፡ ነቲ ናይቲ ኢንዱስትሪ ሞያ ፍልጠት ንምዕባይን ከምኡውን ንብዙሓት ናብቲ ንኤለክትሪካዊ ተክኒክ ዚምልከቱ ኣብ VVS ዚወሃቡ ስልጠናታት ንምስሓብ እዪ።