ብመሰረት ትካል ሜትሮሎጂ ዝሓለፈት ወርሒ ለካቲት 20% ጠሊ ዝበዝሓን ኣብቲ ንቡር ብ 1 ዲግሪ ዝወዓየት ኮይና ምህላፋን ገሊጹ።
ወርሓዊ ኲነታት ሙቐት መላእ ኖርዌይ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ዝነበረ ብ 1.1 ዲግሪ ልዕል ዝበለ እዩ ክብል እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ።
“ኣብ ምብራቕ ኖርወይ፡ ኲነታት ኣየር ብማእከላይ ገምጋም ካብቲ ንቡር ብሰለስተ ዲግሪ ልዕል ዝበለ እዩ ኔሩ። ኣብ ዝበዝሐ ደቡባዊ ኖርወይ እታ ወርሒ ውዕይ ዝበለት ምንባራ ኣብ ትካል ሚትሮሎጂ ኖርወይ ተመራማሪ ኲነታት ኣየር ጆስቴን ማመን የመልክት።
ወርሒ ለካቲት ኣብ ከምኒ ሎፎቴንን ቫስተራለን ዝሕል ዝበለት ኣብ ሰሜናዊ ኖርዌይ ግና ከምቲ ንቡር እያ ኔራ ብመሰረት እቱ ሓበሬታ።
ዝበዝሐ ፍልልይ እተራእየለን ከባቢታት ቨስትፎልፍ ኦግ ተለማርክ፡ ቪከን ከምኡውን ኢንላንደት ኮይነን ካብቲ ንቡር ብ 3-4 ዲግሪ ዝልዕል ሙቐት ኣመዝጊበን ኣለዋ።
ብዘይካዚ ኖርዌይ ኣብ ዝሓለፈተ ወርሒ ኣብቲ ንቡር ብ 20% ጠሊ ዝበዝሓ ኮይና ሓሊፋ’ላ። ኣብ ደቡባዊ ኖርወይ ግና ካብቲ ንቡር ብ 150% ዝበዝሐ ጠሊ ብምምዝጋብ ዝተፈልየ ኲነታት ኣየር ተራእይዎ’ሎ።