ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣብ ምያንማር ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሽወደናውያን ናብታ ሃገር ንኸይገሹ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። ሎሚ ቀትሪ፡ ናብታ ሃገር ዝግበር ጉዕዞ ደው ንኽብል መምርሒ ከነመሓላልፍ ኢና ክትብል፡ ሚኒስተር ኣና ሊንድ፡ ሓቢራ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ምያንማር ዘለዉ ሽወደናውያን ግና ካብታ ሃገር ክወጹ ዝብል መምርሒ ኣይከነመሓላልፍን ኢና ክትብል ንማዕከን ዜና TT ሓቢራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምዕባለታት እታ ሃገር ምክትታል እዩ ክትብል ድማ ገሊጻ። ብመሰረት ሓበሬታ እታ ሚኒስትሪ ኣብ ምያንማር 50 ሽወደናውያን ከም ዝነብሩ ይፍለጥ። ዛጊት ዝኾነ ዝተጸለወ ሽወደናዊ ብዛዕባ ምህላዉ ዝኾነ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ ሰባት ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩን ኣብ እኩብ ህዝብን ሰልፍታትን ዘለዎ ቦታ ከይርከቡን ድማ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ሽወደን ምስ ኖርዌይን ፊንላንድን ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ምያንማር ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኣለዋ።
እቲ ዘሎ ኩነታት፡ ሓደገኛን ንምትንባዩ ዘጸግምን ስለዝኾነ ምዕባለታቱ ክንከታተል ኢና። ናብታ ሃገር ንኸይትገሹ ድማ ንመክር ክትብል፡ ሊንደ፡ ለበዋኣ ኣመሓላሊፋ።
ወተሃደራት ምያንማር፡ ንመራሒት’ታ ሃገር፡ ሱ ቺን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፍን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዎም፡ ዕልዋ ምፍጻሙን እቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ምሉእ ስልጣን ከም እተረከበን ንሓደ ዓመት ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ተሌቪዥን፡ ምእዋጁን ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ድሕሪ፡ ናሽናል ሊግ ፎር ዲሞክራሲ ዝተባህለ ሰልፊ፡ ናይታ መራሒት’ታ ሃገር ዝኾነት ሱ ቺ ብልዑል ነጥቢ ድሕሪ ምዕዋቱ እዩ። ሱ ቺ፡ ደገፍታ ነቲ ዕልዋ ክቋወሙ ጻውዒት ኣቕሪባትሎም ኣላ።
ከምዝፍለጥ፡ ምያንማር ብዓሌታዊ ህልቂት ትኽሰስ ዘላ ሃገር ኮይና፡ እዛ ሕጂ ተዓልያ ዘላ መራሒት፡ ኣብ ዓመተ 1991 ሽልማት ኖበል ዝተዓወተት እያ።