ኣዒንትና መሳኹቲ ውሽጥና እየን፡’ ክበሃል መቸም ሰሚዕና ንኸውን። ኣዒንትና እተን ብቐረባ ኩነታት ሰባት ከነንብበለን እንኽእል፡ ከምኡ’ውን ሓሳባትናን ስምዒትናን እንገልጸለን፡ ብሓፈሻ ድማ፡ ምስ ሰባት ብዘይ ልሳን ከረዳድኣና ዝኽእላ ክፋላት ኣካላትና እየን። እስከ ሓቢርና ክኢላታት’ዚ ዓውዲ ኣብ ትርጉም ምንቅስቓሳት ኣዒንትና ዘለዎም መግለጺ ንርአ፡፡
ብሌን ዓይኒ ዓቐን ግዝፊ ብሌን ዓይንና ብእትወስዶ ዓቐን ብርሃን ምስ ግዜ ይቀያየር’ዩ። ናይ ብሌን ዓይኒ ዘገርም ነገር ብዊንታና ዓቐኑ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ምዃኑ’ዩ። መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ መሰረት፡ ዝያዳ ኣብ ዘገድሱና ነገራት ወይ ሰባት ኣብ እንምልከተሉ እዋን ብሌን ዓይንና ግዝፋ ክውስኽ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ዘየገድሱና ነገራት ወይ ሰባት ምስ እንጥምት ግን ግዝፋ ከምዝቕንስ የረድኡ። እምበኣር ነዚ ግብሪ ክንዕዘቦ ምስ እንደሊ ንኣብ ጥቓና ዘሎ ሰብ ኣዝዩ የገድሶ’ዩ ዝበልካዮ ዕላል ጀምረሉ’ሞ፡ ደሓር ሃንደበት ብምቁራጽ ካልእ ዘየገድሶ ኣርእስቲ ቀይር። እዚ ክትገብር እንከለኻ ግን ብሌን ኣዒንቱ ብትዅረት ተዓዘበን’ሞ ናይ ግዝፈን ምቅይያራት ክትርእይ ኢኻ።
ኣንፈት ኣጠማምታ ኣዒንትናምስ ሰባት ኣብ እንበሃሃለሉ እዋን ኣንፈት ኣጠማምታ ኣዒንትና፡ ኩነታት ሰባት ክገልጹ ከም ዝኽእሉ ትፈልጡዶ? ንኣብነት ኣዒንቱ ብስያፍ ንየማናይ ወገን ምስ ዝጥምታ እቲ ሰብ ክሕሱ ወይ ክግምት ኣብ ዝደልየሉ እዋን ዝገብሮ ምንቅስቓስ ክኸውን እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ ኣዒንቱ ብስያፍ ንጸጋም ወገን ምስ ዝጥምታ ድማ፡ ካብ ኣእምሮኡ ሓደ ኣገዳሲ ዝገብሮ ናይ ኣዒንቲ ምንቅስቓስ’ዩ። ካልእ ብምሉእ ትኹረት ናብ’ቲ እትዛረቦ ዘሎኻ ሰብ ኣንፈት ቀኒዕካ ምጥማት ምልክት ቅንዕናን ሓቅነትን’ዩ ዘመልክት። ብኣንጻሩ ንስኻ ትሰምዕ ምስ እትህሉ ግን፡ ምልክት ተመስጦን ምሉእ ኣቓልቦን ክኸውን ይኽእል።
ካልኦት ምንቅስቓሳት ኣዒንቲ ዓይኒ ምሕሳይ ወይ ምድራዝ፡ ኣብቲ ዝበሃለካ ዘሎ ነገር ዘይምእማን ከመልክት ይኽእል። ሕርቃን ወይ ድኻም ምስ ዝስምዓና እንገብሮ ምንቅስቓስ’ውን ክኸውን ይኽእል። ላዕልን ታሕትን ምንቅስቓስ ሸፋሽፍቲ ኣዒንቲ ሰላምታ ወይ ምስጋና’ዩ ዘመልክት። ብልምዲ’ውን ናይ ዓይኒ ሰላምታ ተባሂሉ ይጽዋዕ’ዩ። እዚ ምንቅስቓስ ሸፋሽፍቲ ኣዒንቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ’ዩ፡፡ እዚምንቅስቓስ ሸፋሽፍቲ ዓይኒ፡ ተወርሶኣዊ ወይ ባህርያዊ ከይኰነ ኣይተርፍን’ዩ ዝበሃል። ምኽንያቱ፡ ተመራመርቲ ኣካላዊ ምልክታት እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣህባይ’ውን ከም ዘሎ፡ ክርድኡ ክኢሎም’ዮም። ብተወሳኺ፡ ስንባደ ኣብ ዘጋጥመና እዋን’ውን፡ ሸፋሽፍቲ ኣዒንትና ንላዕሊ ብምንቅስቓስ ናይ ስንባደ ስምዒትና ንገልጽ ኢና።
እቲ ንቡር ሰምሰምታ ናይ ኣዒንትና ኣብ ደቒቕ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ዕስራ ክበጽሕ እንከሎ፡ ካብዚ ምስ ዝዛይድ ግን፡ ምልክት ውዕዉዕ ስምዒት ወይ’ውን ክቱር ጸቕጢ ክኸውን ይኽእል። ሓንቲ ዓይንና ምጽቃጥ ካብ ናይ ኢድ ሰላምታ ንላዕሊ ምልክት ጥቡቕ ዕርክነትን ምትእስሳርን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ወይ’ውን ምስጢራዊ ርክብ ከመልክት ይኽእል ብምባል ይገልጹ ክኢላታት’ዚ ዓውዲ።