ኣባላት ባይቶ ሽወደን፡ ኣብ ናይ ባይቶ ስራሓት ከይተሳተፉ፡ ክፍሊት ክኽፈሉ ምጽነሖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ግን፡ እዚ ጉዳይ፡ ኣቓልቦ ስሒቡ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ ዝቕጽል እዋን ግን፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ስራሓት ባይቶ ዘይሳተፉ ኣባላት፡ ቀይዲ ክተኣታቶ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሓደ ኣባል ባይቶ፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝጸነሓሉ እዋን፡ ንልዕሊ 60% ካብ ኣኼባታት ምድማጽ እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ ኣብኲሩ እንከሎ ዝተኸፍሎ ገንዘብ፡ ክመልሶ ምዃኑ፡ ነቲ ብቦርድ ሪክስዳግ ዝቐረበ እማመ ዝድግፍ ኮሚቴ ቅዋም ገሊጹ።
ድሕሪ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት፡ ፕረዚደንት ባይቶ፡ ብዛዕባ እቶም ልዑል መጠን ብኩራት ዘለዎም ሰባት ብዝምልከት፡ ንኣባላት ባይቶ ድሕሪ ምሕባር፡ እቶም ሰባት፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ብኩራት ዝተኸፍልዎ ገንዘብ ክመልሱ ክሕተቱ ምዃኖም ሓቢሩ።
ብኮሚቴ ቅዋም ደገፍ ረኺቡ ዘሎ ካልኣይ እማመ ድማ፡ እቲ ብዛዕባ ኣባላት ባይቶ እንከለዉ ካብ ዝነበርዎ ኣባልነት ናይ ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊ ጉጅለ ዝተኣልዩ ብዝምልከት፡ ካብ ዝኾነ ዓይነት ባይቶኣዊ ንጥፈታትን ክእለዩ ይግባእ ዝብል እዩ።