ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎዶሚር ዘለንስኪ፡ ነቲ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ናብ ሞስኮ ክበጽሕ ምውሳኑ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ፈለማ ንዩክሬይን ክበጽሕ ይግብኦ ኔሩ ብምባል ኮኒንዎ። ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘለንስኪ ነቲ ጉተረሽ ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ዘይስነመጎታዊን ዘይቅኑዕን እዩ ክብል ዘሊፍዎ’ሎ።
“ቅድሚ ናብ ሞስኮ ከይዱ ሕቶታት ዝድርድር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እትፍጽሞ ዘላ ግፍዒታት ክርኢ ምተገብኦ ኔሩ” ኢሉ’ሎ
ዘለንስኪ። ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት–ኣንቶንዮ ጉተረሽ –ብዛዕባዚ ዛጊት ዝሃቦ ግብረ መልሲ የለን። ኣንቶንዮ ጉተረሽ ጽባሕ ሰሉስ ናብ ሞስኮ ብምጒዓዝ ምስ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርገይ ላቭሮስ ክዘራረብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ጉተረሽ ሩስያ ካብ ኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትስጐጒ ኣለዋ ምባሉ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።