ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ኣብቲ ምስ ሩስያ ዝግበር ዘተ ሰላም፡ ሃገሩ ኣብ ዛዕባ ‘ዘይሻራውነት ዩክረይን’ ክትዛተ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ሩስያዊ ናጻ ጋዜጠኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ዝዀነ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ኣብ ዩክረይን ድምጺ ህዝበ ውሳነ [ረፈረንደም] ክግበረሉ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ።
ንሱ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ ‘ኳ እንተነበረ፡ ብኸምዚ ዓይነት ቃና ግን ኣይነበረን።
እዚ ዜና’ዚ ዝቃላሕ ዘሎ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቱርኪ ዘተ ክጅምር ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን እዩ።
“ውሕስነት ጸጥታ፡ ዘይሻራውነት፡ ሃገርና ኒኩሌር ኣልቦ ምዃን ኣብ ዝብል ጕዳይ ክንዛተ ድሉዋት ኣለና። እዚ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ” ክብል ዘለንስኪ ኣብቲ ን90 ደቃይቕ ብቪድዮ ዘካየዶ ዝርርብ።
ዘይሻራውነት ማለት፡ ሓንቲ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ዝዀነ ወተሃደራዊ ኪዳን ዘይምግባር ማለት እዩ።
ዘለንስኪ፡ ኣብዚ ጕዳይ ክብጻሕ ንዝኽእል ስምምዕ፡ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ገጽ ንገጽ ምርኻብ ከም ዘድልዮ፤ ዩክረይን ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ መጥቃዕቲ ክወርዳ ከም ዘይኰነ ዘተኣማምን ውሕስነት ክትረክብ’ውን ኣድላዪ ምዃኑ ኣነጺሩ።
BBC TIGRINJA