ኣብ ደቡባዉ ምብራቕ ናይጀርያ ክልል ኣባያ ዕጡቓት ንሓደ መደበር ፖሊስ ብምጥቃዕ ከም ዘቃጸልዎ ቢቢሲ ሓቢራ። ፖሊስ እታ ክልል እቲ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ እኳ እንተኣመኑ እሱራት ካብ ሼላታቶም ሃዲሞም ንዝብል ሓበሬታ ግና ኣይተፈጸሙን ክብሉ ክሒዶም ኣለዉ። ማዕከናት ዜና እታ ክልል እሱራት ካብ ሼላታቶም ከም እትፈትሑ ክገልጻ ጸኒሐን እየን። ብዘይካዚ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ዕጥቅን ስንቅን እውን ተዘሚቱ እዩ ዝብል ሓበሬታ እኳ እንተሎ ፖሊስ ገና ይምርምርዎ ከም ዘለዉ ዝሃቢሮም ኣለዉ። ሽዱሽተ ሰዓታት ቅድሚ’ዚ መጥቃዕቲ ኤጀንሲ ሕለዋ ሕጊ ኣፋውስ እታ ክልል ብዕጡቓት ከም እተራሰየ ተገሊጹ።