ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት: ዓመታዊ ዕቤት መጠን ልቓሕ ኣባይቲ: 5.9% ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ መጠን: ብ0.2% ከምዝዓበየ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት: ዓመታዊ ዕቤት መጠን ልቓሕ ኣባይቲ: 5.1% ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021: ገንዘባዊ መጠን ብዝሒ ልቓሕ ኣባይቲ: 4548 ቢልዮን ክሮነር ምብጽሑ ይዝከር። እዚ መጠን ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ክነጻጸር እንከሎ፣ ብ 33 ቢልዮን ዝዓበየ ኮይኑ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመተ 2020 ድማ ብ209 ቢልዮን ክሮነር ዝዓበየ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።