Källa BBC TIGRINJA
ዓለማለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ህዩማን ራይትስዎች፡ ካብ 2019 ጀሚሮም ኣብ ሪፐብሊክ ማእከላዊ ኣፍሪቃ ምስ ዕጡቓት እታ ሃገር ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ሩስያ፡ ሰላማውያን ሰባት ብጅምላ ከምዝጨፍጨፉ፣ ከምዝገረፉን ከምዘሳቐዩን እኹል መረዳእታ ረኺበ ኢሉ።
እቲ ምቕማጡ ኣብ ኒውዮርክ ዝኾነ ዓለማዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ መሰኻኽር ዓይኒ ኣዝዮም ዘስካሕኽሑ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝነገርዎ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ‘ዋግነር ግሩፕ’ እናተብሃለ ካብ ዝጽዋዕ ጉጅለ ዝኾኑ ቋንቋ ሩስያ ተዛረብቲ ወተሃደራት፡ ኣብ ጥቓ ቦሳሳንገዋ ዝተብሃለት ከተማ፡ ብውሕዱ 12 ንጹሃት [ዘይዕጡቓት] ሰባት ኣብ መገዲ ጠጠው ኣቢሎም ከምዝረሸንዎም እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ከሲሱ።
ቀጺሉ ድማ ይብል፡ ናይቶም ዝበዝሑ ሬሳ ካብቲ ዋና መገዲ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ሓደ ዓᎁቕ ጉድጓድ ደርብዮምዎ ከይዶም ይብል።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ‘ዓሊንድኦ’ ካብ ዝተብሃለት ከተማ ኣብ ቅድሚት ዝረኸብዎም ሰብኡት ገፊፎም ወሲዶም ከምዝረሸንዎም የረድእ።
መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ፡ ዕሱባት ወተሃደራት ሩስያ [ዋግነር ግሩፕ]፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ብተመሳሳሊ ከሲሶም እዮም።
መንግስቲ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ግን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ንምውጋእ ዕሱባት ሩስያ ከምዘይቆጸረ እዩ ዝገልጽ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጊው ላቭሮቭ፡ ኣባላት ጉጅለ ዋግነር ንዝፍጽምዎ ገበን፡ ንሃገረ ሩስያ ዝምልከት ኣይኮነን ብዝብል ነቲ ዝቐረበሉ ዝነጸጎ ኾይኑ፡ ዕላዊ ቅዋም መንግስቲ እታ ሃገር ኣብሪሁ።