ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት፡ ዋጋ ኣሉሚንዩም፡ ንመጀመያ ግዜ፡ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ድሕሪ ኣብታ ኣብ ዓለምና ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ኣፍረይቲ ጥረ ኣሉሚንዮም፡ ባኦክሳይት (bauxite)፡ ዝኾነት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ጒንያ (Guinea) ዘጋጠመ ዕልዋ መንግስቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ናይታ ሃገር፡ ንቀረብ ጥረ ኣሉሚንዩም፡ ብምዕንቃፉ፡ ዋጋታት ኣሉሚንዩም ክውስኽ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ።
ዋጋታት ኣሉሚንዩም፡ ኣብ መሸጣ ብረት ለንደን (London Metals Exchange ) ብ1% ከም ዝወሰኸን ኣብ ኣሜሪካ ድማ ዋጋ ሓደ ቶን ኣሉሚንዮም፡ 2,776 ዶላር ብምብጽሑ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት 2011 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እቲ ዝለዓለ ዋጋ ምዃኑ ተገሊጹ።
ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ውሽጢ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ዋጋ ኣሉሚንዩም፡ ብ40% ምውሳኹ ጸብጻባት ይሕብሩ።