ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸን እዚ ድማ ካብቲ ተገሚቱ ዝነበረ መጠን ብሒደት ምዝያዱ ተፈሊጡ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ 0.7% ከምዝነበረ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ እቲ መጠን 1.4% ምብጽሑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዝቕባበ ተባሂሎም ዝጥቀሱ፡ ምውሳኽ ዋጋታት ነዳዲ፡ ኤሌክትሪክን ጋዝን ምኻኖም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ክዳውንትን ጫማታትን ውን ኣብ ምውሳኽ ዝቕባበ ባጤራ፡ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም ኢሉ።
ክሳብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2021፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ ክሳብ 2% ክበጽሕ ገምጋማት እካ እንተነበሩ፡ 2.5% ክበጽሕ ከምዝኽእል፡ ማእከላይ ባንክ ዓዲ እንግሊዝ፡ ገሊጹ። ብድሕሪ’ዚ፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ ናብቲ ንቡር ገምጋም ናይ ዓመተ 2022 ን 2023 ክምለስ ምኻኑ ጸብጻባት’ቲ ባንክ ሓቢሮም ኣለዉ።