ሃገረ እንግሊዝ፡ እታ ቀዳመይቲ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ብኩባንያ መርክ (Merck) ዝፈረየ ከኒና፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ፍቓድ ዝሃበት ሃገር ኮይና ከምዘላን እዚ ድማ፡ ናይ ፈለማ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ዓይነት ከኒና ምዃኑ እዩ ዝንገር ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ብ ሞልኑፒራቪር (Molnupiravir) ዝፍለጥ ዓይነት ከኒና፡ ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባትን ብሓድሽ ጅር ክጥቅዑ ተኽእሎታት ዘለዎም ጥራይ ዝወሃብ እዩ። እዚ መድሃኒት፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ገዛ ኮንካ ዝውሰድ እዩ።
እዚ መድሃኒት፡ ንምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘውሕድን መስርሕ ምሕዋይ ዘቀላጥፍን እዩ።
ሎሚ መዓልቲ፡ ሃገረ እንግሊዝ፡ ኣብ ዓለም፡ ናይ መጀመርያ ሃገር ነዚ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ዘውዓለት ብምዃና፡ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ ክብል ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ሳጂድ ጃቪድ፡ ገሊጹ።
በዓል መዚ መድሃኒት ኣሜሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብወገኖም፡ ነዚ መድሃኒት፡ ተፈላጥነት ንኽህብዎ፡ መርመራታት የካይዱ ምህላዎም ገሊጾም።
ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ 480 ሽሕ ብልቃጥ ናይዚ መድሃኒት እትውንን ኮይና፡ መብዛሕትኡ፡ ነቶም ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ክትዕድሎ ምዃና ጸብጻባት ሃገራዊ መጽናዕቲ’ታ ሃገር ገሊጾም።
እዚ መድሃኒት፡ ከም መፈወሲ ሕማም ኢንፍሉዌንዛ ንኽኸውን፡ ኣብ ኣሜሪካ መጽናዕቲ ክግበረሉ ምጅማሩ ይፍለጥ። ኩባንያ መርክ፡ ነዚ መድሃኒት፡ ብዓለም ደረጃ ንኸፍርዮን ኣንጻር ኮቪድ-19 ድማ ከም ናይ ህጹጽ እዋን መድሃኒት ክኸውን፡ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝተሰማመዐ ይፍለጥ።