እቲ እትበልዖን እትሰትዮን፡ ኣብ ጥዕናኻ ኣዝዩ ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ጽቡቕ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን፡ ካብ ብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማት ንኣብነት፡ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን (hjärt- och kärlsjukdomar): ሕማም ሽኮር (diabetes): ሕማም መንሽሮን (cancer) ሕማማት ስነ-ኣእምሮን ዝኣመሰሉን ክከላኸሉልካ ይኽእሉ።
ዓይኒ መፍትሕ (Nyckelhålet)
ኣብ ድኳናት-መግቢ፡ ዓይኒ መፍትሕ ዝመስል ስእሊ ዘለዎም ሃለኽቲ መግብታት ኣለዉ። እዞም ዓይነታት ሃለኽቲ መግብታት’ዚኣቶም ንኣካላትና ብሉጻት እዮም። ውሑድ ትሕዝቶ ስብሒ: ሽኮርን ጨውን ድማ ኣለዎም። ካብ’ቶም እዚ ምልክት ስእሊ’ዚ ዘይብሎም ተመሳሰልቲ ሃለኽቲ መግብታት’ውን ዝያዳ ጽሕጎ (fibrer) ኣለዎም። ሃገራዊ ወኪል መግቢ (Livsmedelsverket)፡ ምልክት ዓይኒ-መፍትሕ ዘለዎም መግብታት ክትዕድጉ ይመኽረኩም።