ብደረጃ ሃገር ኣቐዲሞም ዝተጀመሩ ዓበይቲ፣ ስራሓዉቲ ትሕተ ቅርጺ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ቅልዉላዉ፣ ከይተሰናኸሉ ብዝተመደበሎም ዓቐን ስርሖም ይቕጽሉ ምህላዎም ባዓል መዚ መገድታት ሽወደን ሓቢሩ። እዞም ኣብ ልዕልን ትሕቲን መሬት፣ ዝስርሑ ዘሎዉ መጠነ ሰፋሕቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት፣ ኣብ ዞባ ኖርቦተን፣ ዮቶቦርን፣ ስቶክሆልምን ንዘሎ ትሕተ ቅርጺ መገዲ ባቡርን ጽርግያን ብዝማዕበለ ዘመናዊ መገዲ ከምሓይሽዎ ተባሂሎም ዝተመደቡ ዓበይቲ መደባት፣ ነፍሲ ወከፎም ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ክራዉን ገንዘብ ተመዲብዎም ዝካየዱ ዘሎዉ ከምዝኾኑ ፣ እቲ ባዓል መዚ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ብሰንኪ እዚ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ስራሓት እዞም ፕሮጀክ፣ ዝኾነ ጸገምን ዕንቅፋትን ከየጋጠሞም ይቕጽሉ ከምዘሎዉን፣ ብኸምዚ ዘሎናዮ ደረጃ እንተቐጺሉ፣ ገለ ካብዞም መደባት ቅድሚ ግዚኦም ክዉድኡ ትጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ካብቶም ብዙሓት መደባት ትሕተ ቅርጺ ፣ ቀንዲ ንስቶክሆልም ሰንጢቑ ዝሓልፍ ሃገራዊ ዓቢ ጽርግያ፣ መገዲ ባቡር ኖርቦተን፣ ገለርያ ምብራቕ ዮቶቦሪ፣ ምኻኖም ይፍለጥ።