ኣብ ለካቲት 2011 ኣሽሓት ግብጻውያን ኣብ ካይሮ ኣደባባይ ታሕሪር ብምውጻእ ዴሞክራሲን ናጽነትን ከም ዝደልዩ ድምጾም ንመንግስቲ ኣስምዑ። ሓደ ካብቲ ናጻ ክወጽእ ዝተቓለሱሉ ዓውዲ–ናጻ ፕረስ እዩ ኔሩ።
እቲ ኣካል ዝዓበየ ማዕበለ ተቓውሞ ዓረብ ስፕሪንግ ዝነበረ ቃልሲ ነቲ ንሰላሳ ዓመታት ንግብጺ ዝመርሐ ስርዓት ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣብ ብምእላይ ብዙሓት ዝተተስፈዉሉ ሓድሽ ምዕራፍ ከፈተ።
እንተኾነ ግና ዓረብ ስፕሪንግ ዓሰርተ ዓመቱ እኳ እንተሕለፈ ናጻ ፕረስ ግብጺ ዛጊት ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ምህላዉን ንመንግስቲ ኣልሲሲ ብምቅዋም ዝጽሕፉ ብስም ሃገራዊ ረብሓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይኣትዉን ሕትመታቶም ክዕጾ ትግበር ምህላዉን ተገሊጹ።
” ጋዜጠኛታት ግብጺ ነቲ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪት ዝተፈጸመ ግፍዒ ቃልዕ ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ተጻዊቶም እዮም” ክብል ኣብ ትካል ኮሚተ ንምክልኻል ጋዜጠኛታት ኣወሃሃዲ ፕሮግራም ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሸሪፍ መንሱር ን ቪኦኤ ገሊጹ። ንሱ ቀጺሉ ” ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝፍጸም ዘሎ እገዳ ግና ዛጊት መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ” ይብል።
ብመሰረት ኮሚተ ንምክልኻል ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ ) ድሕሪ 2011 ኣስታት 11 ጋዜጠኛታት ኣብ ስራሕ እናሃለዉ ምስሪ ተቐቲሎም ኣለዉ። በዚ ድማ ግብጺ ኣብ ተርታ ንጋዜጠኛታት ፈጺመን ዘይምችኣ ሃገርታ ተሰሪዓ ትርከብ። ምስ ስዑዲ ዓረብ ተደሪባ ኣብ ሳልሳይ ዝሓመቐት ናይ ፕረስ ሃገር ተሰምያ እያ።
ቊጽሪ ዝእሰሩ ጋዜጠኛታት በብግዜኡ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ዓመታዊ ብውሑዱ 20 ጋዜጠኛታት ከም ዝእሰሩ ኣመልኪቱ’ሎ።
ሚኒትሰር ጒዳያት ወጻኢ ግብጺ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ VOA ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ክህብ ኣይፈቐደን።