ዓመታዊ ክሳብ 600 ዝኾኑ ሰባት ብዝፈጸምዎ ገበናት ካብ ሽወደን ንኽስጎጉ ክሲ ዝቐርበሎም እኳ እንተኾኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾኑ ሰባት ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ናይ ምስጓግ ውሳነ ዲሒኖም ነጻ ከም ዝልቀቑ መዕከናት ዜና ይሕብራ። ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፈጸሞ በደላት ንኽስጎግ ዝተወሰነሉ ሰብ እንደገና ነጻ ክልቀቕን ንዝፈጸሞ ገበን ንኸይደግሞ ዝኾነ ዓይነት ውሕስነት ከይ ኣተወ ክኸይድን ዘኽእል ውሳኔ፡ ነቲ ናይ ሽወደን ስርዓተ ፍትሒ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ሓላፊ ፖሊስ ዶባት ፓትሪክ ኢንጂስትሮም ይዛራብ።
ነቶም ኣብ ዓዶም ናይ ሞት ፍርዲ ኮነ ናይ ምስቓይ መስርሕ ዘጓንፎም ሰባትን ዜጋታት ምስ መንግስቲ ሽወደን ወግዓዊ ስምምዕ ዘይብላ ሃገር እንተድኣ ኮይኖም፡ ብወገን መንግስቲ ሽወደን ነዞም ከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት ከተባርር ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ዝፍለጥ እዩ። ብመንገዲ ናይ ዶባት ፖሊስ ዝፍጸም ናይ ምስጓግ መስርሕ ንምስላጥ ምስ ተወሰኽቲ ሃገራት ወግዓዊ ስምምዓት ንምፍርራም ምድላዋት ይካየድ ከም ዘሎ ሚኒስተር ፍትሒ ዮሃንሰን ሞርጋን ገሊጹ።