ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ብ ካርድ ባንክ ዝፍጸም ዓሎቕ ክንኪ እኳ እንተጽንሐ፥ ኣብዚ ገበን እተዋፈሩ ሰባት ንስርዓተ ድሕነት
ባንክታት ምሕላፍ ብምኽኣሎም እዚ ገበን ወሰኽ ምርኣዩ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽወደን ልዕሊ 41 ሽሕ
ምትላል ዲጂታላዊ ባንክ ካርድ ተፈጺሙ’ሎ። ኣብ 2020 ብምኽንያት ምትእትታው ስርዓተ ምክልኻል፥ ብባንክ ካርድ ዝፍጸም
ዓሎቕ ምጒዳል ኣርእዩ ነይሩ እዩ።
ገበነኛታት ኣብ ስርዓታት ጸጥታ እናተዘዋወሩ ካብ ሽወደን ወጻኢ ነቲ ገበናት ብኢንተርነት ብ ፍሉያት ሶፍትዌይራት ይፍጽምዎ
ብምህላዎም ንምሓዞም ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ማእከል ምክልኻል ዓሎቕ፥ መዋፈሪት
ፖሊስ ሎታ ማውሪትዝሰን ትዛረብ። ክሳብ ሕጂ 38 ካብዞም ገበናት ጥራይ ብ ፖሊስ ከም እተኸሽሑ ዝገለጸት ሎታ ዝኾነ ካርድ
ባንክ ዘለዎ ሰብ ግዳይ እዞም ዓሎቐኛታት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪታ’ላ።