ኣብ ዮተበሪ ዝነብርን ን ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጒዳያት ሽወደን ብምቅዋም ዝፍለጥ ዓሊ ኣል-ሲዳኒ ብተግባራቱ ከም ዝጠዓስ
ገሊጹ። እቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ተቓውሞ ናብ ኣህጒራዊ “ምዝባዕ ሓበሬታ” ከም እተቐየረ፡ እቲ ጒዳይ ምስ ዘይግብኦም ሰባት
ምትሕሓዙ ኸኣ ጣዕሳ ከም ዝስምዖ ጋዜጣ “ስቨንስካ ዳግብላዴት” ጸብጺባ’ላ።
ዓሊ ምስ ሬድዮ ፒ ፎር ዮተብሪ ኣብ ዝነበሮ ጻንሖት ብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ኣብ መንጎ ኣገልግሎት ማሕበራዊ
ጒዳያት ሽወደንን ወለዲን ዘሎ ርክባት ከደንፍዕ ከም ዝደሊ ገሊጹ’ሎ።