ብምኽንያት ዓመታዊ ዝኽሪ ምኽሳት ሕማም ኮሮና ኣብ ዝተኻየደ ኣጋጣሚ፡ 11 ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ዓለምና ዝያዳ ሕማምት ለበዳ ከተአንግድ እያ ምባሎም ዳገንስ ኒሂተር ንንባብ ኣብ ዘብቅዓ ዓንቀጽ ተገሊጹ። ንሳቶም ዓለምና ተኸታተልቲ ሕማማት ለበዳ ከተአንግድ ተኽእሎታት እኳ እንተሃለወ፡ ሃገራት ዓለምና፡ ብዝሓሸ ቅሩባት ኮይነን ክጸንሓ ኣዘኻኺሮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እዞም ሕማማት ለበዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኮነ ኣብ ዝረሓቐ፡ ናይ ምኽሳት ተኽእሎታቶም ዓቢ እዩ ተባሂሉ ኣሎ–ብመሰረት እዞም ምሁራት።
ቫይረሳት ምብዝሖም ኣይኮነን እቲ ጸገም፡ እንታይ ደኣ፡ እቲ ስግኣት ምውሳኹ እዩ ክብል ፕሮፌሰር ጃን ኣልበርት ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ርክብ ሓቢሩ። ናብ ዝተፈላለየ ዘይንፈልጦም ቦታታት ክፍላት ዓለምና ዑደት ኣብ ነካይደሉ እዋናት፡ ኣካላትና ዘይተለማመድዎም ዓይነታት ቫይረስ ምቅልዑ ኣይተረፈናን፡ በዚ ድማ’ዩ እቲ ስግኣት መመሊሱ ዝውስኽ ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።
እዚ ኩነታት ክኽሰት ከም ዝኽእል ብግቡእ ምርዳእ፡ ቅሩብነትን ፍልጠትን ክህልወና ይግባእ ዝበለ ፕሮፌሶር ኣልበርት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ምሕካም፡ ኣብ ምክልኻል ከነድህብ፡ እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ምዃኑን፡ እቲ ኣብ ምርምር ቫይረሳት ዝተዋፈረ ጸጋታትን መሃኒታትን እኹል ዘይምዃኑን ዛጊት ብዙሕ ስራሕ ከም እተሰርሐ፡ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ዝተርፈና ከምዘሎ ግን ክዝንጋዕ የብሉን ክብል ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ።