ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ፋብሪካ መፍረ ክታበት ኮቪድ ክተክል ምዃኑ ዳይሬክተር እቲ ውድብ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ሓደ ካብቲ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ምትካል ፋብሪካ፡ ኩባንያ ኣፊሪጀን ባዮሎጂክስ ኤንድ ቫክሲንስ (Afrigen Biologics &Vaccines)፡ ኮይኑ፡ ብከፊል ኣብ ምፍራይ ክታበት ዝነጥፍን ንኣፍራይ ክታበት ዝኾነ ባዮቫክ (Biovac) ደገፍ ዝህብን ክኸውን እዩ።
እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክፈሪ ተሓሲቡ ዘሎ ዓይነት ክታበት ልክዕ ከም ኩባንያታት ፋይዘርን ሞደርናን ዝጥቀማሉ ክታበት (mRNA) ክኸውን እዩ።
በቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ውሽጢ 9 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቀዳሞት ብልቃጥ ክታበታት ካብቲ ፋብሪካ ክወጽእ ተስፋ ከምዘለዎ፡ ዶር ቴድሮስ፡ ገሊጹ።