ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንፈለማ ግዜ ምስ ተራእየ፡ ዝወሰዶም ስጉምታት ብዝምልከት ብሓደ ብሕታዊ ጉጅለ ሰብሞያ ኣቢሉ ንኽምርመር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ከምዚ ዓይነት ለበዳ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋናት፡ ካብዚ ዝሓሸ ስጉምታት ንኽውሰዱ መምሃሪ ንኽኸውን ብምባል ምኻኑ፡ እቲ ውድብ፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ።
ኣብ መጻኢ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ጸረ ዘጋጥሙ ለበዳታት፡ ቅልጡፍ ዝኾነ ግብረ መልሲ ክወስዱ፡ ሓደ ብ (IPPPR) ዝፍለጥ፡ ኣንጻር ለበዳ ምድላዋትን ግብረመልስን ዝህብ ኣህጉራዊ ጉጅለ፡ ኣዘኻኺሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ብሰንኪ ለበዳ ዘጋጥሙ ዓለማዊ ስግኣታት ንምክትታልን ሃገራት ዓለም፡ ንምድላዋትን ምርምርን ዘውጸአኦ ወፈያታት ዝቆጻጸር ሓደ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንኽቐውም እቲ ጉጅለ ሓሳቡ ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ብኣህጉራዊ ስርዓታት ጥዕና(IHR) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ህሉው ቅርጺ ኣባላት ሃገራት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እኹል ከም ዝኾነ ጌርካ ክውሰድ ኣይክእልን ኢዩ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ሰኑይ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ኩሎም ሚኒስተራት ጥዕና ናይተን 194 ኣባላት ሃገራት እቲ ማሕበር፡ ካብ 29 ሕዳር ጀሚሮም ንጉዳይ ሓድሽ ኣህጉራውን ሕጋውን ቅርጺ ንምቓም፡ ዘተ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጡ ኣሎ።