ኣብ ዒራቕ ዝተፈነዋ ክልተ ኣዝየን ኣዘራረብቲ ናይ ተሌቪዥን ምርኢታት እየን ናብዚ ውሳነ ኣብጺሐን ዘለዋ። ኣብዘን ናይ ፕራንክ ምርኢታት: ነፍሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት: ጭውያ እናፈጸሙ እዮም ዝዋስኡ። ኣብ ሓንቲ ካብዘን ናይ ፕራንክ ተዋስኦታት: ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ሓሶት ተፈንጃሪ ዕጣቕ ምስ ኣሰሩላ ብስንባደ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ከም ዝወደቐት: ንኣብነት ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ካልእ ምርኢት ፕራንክ ድማ: ኣህጒራዊ ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ: ዓላ ምሓዊ: ብግብረ ሽበራውያን ተጨውዩ ከይቀትልዎ እናለመነ ተራእዩ ኣሎ።
እዘን ቶኒ ቡሌትስ ከምኡውን ራስላንስ ሹቲንግስ ዝተባህላ ፕሮግራማት: ንሕጊ ስነምግባር ተሌቪዥን እታ ሃገር ዝጥሕሳ እየን ተባሂለን ኣለዋ። እዚ ምርኢታት ፕራንክ: ነቲ ብዕጡቓት ዝፍጸም ጭካነ: ዘጒልሓ እኳ እንተኾና: ብተዓዘብቲ ተቐባልነት ከም ዘይረኸባ ተገሊጹ።
ዳዕሽ: ኣብ ዝበዝሐ ቦታታት ዒራቕ እኳ እንተተሳዕረ: ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያንን ወተሃደራትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዝፍኑ ይፍለጥ።