ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን፡ ዒምራን ኻን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ኣታሕዛ ዊጊር ቻይናን ነቐፌታ ኣስሚዑ።
ንሱ፡ ምስ Axios HBO ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣመሪካ፡ ካብ መሬት ፓኪስታን ተበጊሳ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራዊ ስርሒት ከተካይድ ከም ዘይፈቅድ ገሊጹ’ሎ። ንሱ፡ ወሲኹ ኣዒንቲ ዓለም ኣብ ኣተሓሕዛ ውጊር ቻይና፡ እኳ ኣተኲረን እንተለዋ፡ ህንዲ’ውን ኣብ ካሽሚር እትገብሮ ዘላ ገበናት ተመሳሳሊ እዩ ክብል ወቒሱ።
ዘረባ ዒምራን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ህንዲን ፓኪስታንን ዓብዪ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ። ንሱ፡ ትማሊ ንጋዜጠኛ፡ ዮናታን ስዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት እዩ ነዚ ኣዘራራቢ ቃላት ፈንዩ ዘሎ።
ዒምራን ኻን፡ ነቲ ኣመሪካ፡ መሬት ፓኪስታን እናተጠቀመት ንኣፍጋኒስታን ከተጥቅዕ እተቕርቦ እማመ ከም ዝቃወም ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ። እዚ ድማ ኣብ ህዝቢ ፓኪስታን፡ ዓብዪ ተቐባልነት ክህልዎ ከም ዝገበረ፡ ድማ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይሕብሩ።