ኣብ ሽወደን ንሓተቲ ዑቕባ ተባሂሉ ዝተመደበ ናይ ሓባር መንበሪ ቦታታት፡ ዝፍጸሙ ጎነጻዊ ባእስታትን ካብኡ ሓሊፉ ዓበይቲ ሁከትን ዕግርግርን፣ ቀንዲ ጠንቆም፡ ብሰንኪ ዘሎ ጽበት መንበርን ዝፈጥሮም ንኣሽቱ ግርጭታት ምዃኖም፣ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን ሽወደን ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ናብ ፖሊስ ካብ ዝመጹ 600 ዝኣኽሉ ጎነጻዊ ገበናት፡ ቀንዲ መበገሲኦም፡ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪኦም ዘጋጥሙ ደቀቕቲ ነገራት ናብ ዓቢ ግርጭት ብምስግጋሮም እዩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ግርጭታት ድማ ናብ ዓበይቲ ገበናት ከም ዝሰጋገሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
በዚ መሰረት ዝምልከቶ ኣካል መንግስትን ምምሕዳራትን ኣብ መንበሪ ገዛዉቲ ሓተቲ ዑቕባ ንዘሎ ጽበት መንበሪን ምድርራብን ዝፋኾሰሉ ናይ ፍታሕ መገዲ ከታኣታትዉ እቲ ቤት ምኽሪ ጸዊዑ።