ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ኡጋንዳ፡ ብፖሊስ’ታ ሃገር ጉድኣት ከም ዝወረዶም ብምግላጽ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ኮኒንዎ። እቶም ጋዜጠኛታት ተቓዋሚ ኣባል ባይቶን ደራፋይን፡ ቦቢ ዋይን፡ ንዝህቦ ዝነበረ ዝርዝር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ምጽብጻብ ምንባሮም ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣባላት ጸጥታ፡ ነቲ ናብ ናዕቢ ገጹ ንዝኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ዝቋጻጸረሉ ዝነበረ እዋን፡ እዞም ጋዜጠኛታት ከም እተጐድኡ ፖሊስ ኡጋንዳ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኡጋንዳ ቅድሚ ወርሒ ኣብ ዝተገብረ ምርጫን ኣከራኻሪ ዓወት፡ ዮወሪ ሙሰቨኒን፡ ዝሰዓበ ተቓውሞ ተወዳዳሪ ሰልፊ፡ ዝፈጠሮ ሻቕላ ምዃኑ እውን ተገሊጹ። ወተሃደራት ኡጋንዳ ንጋዜጠኛታት ከጓይዩን ብሽመል ክዘብጥዎምን እንከለዉ ዘርእዩ ቪድዮታት ከም እተፈነዉ ዝፍለጥ እዩ። ገሊኦም ጋዜጠኛታት ከቢድ መጒዳእቲ ከም ዘጋጠሞምን ርእሶም ክደሚ ከም እተራእየን እውን ተገሊጹ። እዚ ናይ ወተሃደራት መጥቃዕቲ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ –ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ኣፍደገ ልዳት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ኣጋጢሙ–ይብል ጸብጻብ ቢቢሲ። ቦቢ ዋይን፡ መሰል ሰባት ይገሃስ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ናብ ሰብመዚ ጻውዒት ንምቕራብ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ፡ ጋዜጠኛታት ነቲ ኲነታት ንምጽብጻብ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ምንባሮምን ገለ ኣባላት’ቲ ሰልፉ ድማ ዛጊት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጡን ብርክት ዝበሉ ድማ ኣብ ማሕዩር ይሳቐዩ ምህላዎምን ምግላጹ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ቦቢ ዋይን ነቲ ዝተጭበርበረ ዝበሎ ምርጫ ኣመልኪቱ ይግባይ ከይብል፡ ብሰንኪ ፍርሂ ሰብመዚ ኡጋንዳ ክፍጸም ከምዘይከኣለ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። እዚ መጒዳእቲ ጋዜጠኛታት ዛጊት ነቲ ኣብ ኡጋንዳ ጭቆና ንኸብቅዕ እየ ዝቃለስ ዘለኹ ዝብል፡ ቦቢ ዋይን፡ ዝያዳ ህዝባዊ ድጋፍ ዝህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።