ናብ ሽወደን ዝበጽሑ ገያሾ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት፡ ከርእዩ ከምዝግባእ ዝብል እማመ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ከምዘሎን በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሸወደን ድማ ነዚ ተበግሶ ብኣወንታ ሪእይዎ’ ኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ፡ ብፍሉይ ዝርእዮም ኩነታት ክህልዉ ይግባእ ከምዝበለ፡ ሚኒስተር ውሽጣዉ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሓቢሩ።
እንተበዝሐ ናይ 48 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት ምቕራብ፡ ነቶም ኣህጉራዊ መሰል ምሕታት ዑቕባ ዝግበኦም ወጻእተኛታት፡ ከሸግሮም ወይ ድማ ዘይከኣል ጉዳይ ክኾኖም እዩ ክብል በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ሚኒስተሪ ፍትሒ ሽወደን፡ ክሳብ ጽባሕ ረቡዕ ዘሎ ግዜ፡ እቲ መምርሒ ንመን ከምዝምልከቶን ንመን ከምዘይምልከቶን ኣጻፊፉ ከቕርብ እዩ ክብል፡ ዳምቤር፡ ምስ ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።