ኣብ መንጐ ሃገራት OECD ውጽኢት ተመሃሮ ሽወደን ካብ ናይ ዝሓለፈ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ይዂን’በር ኣብ መንጐ ኣዝዩ ንኡድ ዝበሃል ነጥቢ ዘምጽኡን ኣዝዩ ትሑት ነጥቢ ዘምጽኡን ዘሎ ጋግ እናወሰኸ ምኻዱን ድማ ተፈሊጡ።
ኣብ ክሊ 15 ዕድመ ዘለዉ ሽወደናውያን ምስ ናይ ዓሚ ብምንጽጻር ኣብ ቊጽሪ ጽቡቕ ነጥቢ ምምጽኦምን ኣብ ሳየንስን ምንባብን እውን ጽቡቕ ምምዝጋቦምን ኣብ መንጐ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝነበረ ጋግ ፍልጠት እናጸበበ ይመጽእ ምህላዉን ድማ ተመልኪቱ። እዚ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ጽቡቕ መስመር፡ምህላወን ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ካብ 2000 ክሳብ 2012 ዝነበረ ጸብጻብ ተመሃሮ ሽወደን ብኣሉታ ዝጥቀስ ምንባሩን እዚ እናተመሓየሸ ክመጽእ ምጽንሑን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።