ትማሊ ምሸት፡ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውድድራት ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ፒ.ኤስ.ጂ ን ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተገብረ ጸወታ ኣዝዩ ተሃራፍን ደስ ዘብልን ኮይኑ ኣምስዩ። ንዩናይትድ ሓለቓ ጋንታ ኮይኑ ዝመርሐ፡ ፖርቱጋላዊ ቡሩኖ ፈርናንደስ፡ ፍጹም ቅላዕ ረኺቡ ናብ ሸቶ ቐይርዋ። ዩናይትድ ብሓደ ሸቶ ክትመርሕ ከምዘይጸንሐት ሸቶ ከቑጽረላ እትጽበዮ ኣጥቃዒኣ፡ ኣንቶንዮ ማርሻል፡ ብኣንጻሩ ናብ ገዛእ ልዳቱ ሸቶ ስለዘቑጸረ 1 ብ 1 ተመዓራርዮም። ይኹን እምበር ተቐይሩ ዝኣተወ ፖግባ ንራሽፎርድ ጽብቕቲ ኩዕሶ ኣቐቢልዎ፡ ራሽፎርድ ከኣ ብዘገርም ብቕዓት ኣዝያ እትድነቕ ሸቶ ስለ ዘመዝገበ ጸወታ ብማዕረ ዝዛዘም እንዳመሰለ ብሸቶታት ብሩኖን ራሽፎርድን ጸወታ፡ ብዓወት ዩናይትድ 2 ብ 1 ተዛዚሙ ። ዩናይትድ ድማ ካብ ሜዳ ፓሪስ ዘድልያ 3 ነጥቢ ሓፊሳ ተመሊሳ። ሶልሻየር ነቲ ብድሕሪ ቶተንሃም ዝገጠሞ ስዕረት ብፕቸቲኖ ክትካእ ክበሃል ድሕሪ ምቅናዩ በዘን ኣከታቲሉ ዝረከበን ክልተ ዓወታት ግን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐነየ ተጽዕኖታት ዘዝልቖ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ካልእ ጸወታታት ምስ እንርኢ ክለብ ቸልሲ ምስ ሰቪላ ብዘይ ሸቶ 0 ብ 0 ጸወትአን ዛዚመን። ቸልሲ ዝመጽእ ቐዳም ምስ ክለብ ዩናይትድ ጸወታ ይጽበያ። ጁቬንቱስ ካብ ሞራታ ብዝረኸበተን 2 ሸቶታት ተሓጊዛ 2 ብ 0 ንዩክሬናዊት ክለብ ዲናሞ ክየቭ ረቲዓታ። ንክርስታይኖ ሮናልዶ፡ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ዝከሰረቶ ጁቬንቱስ፡ ኣብ ዝመጽእ ምስ ባርሰሎና ዝህልዋ ጸወታ፡ ሓውዩ ምስ መቐናቕንቱ ሊዮኔል መሲ፡ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ትጽቢት ብዙሓት ኣፍቐርቲ ስፓርት እዩ። ባርሴሎና ኣብ ልዕሊ ሃንጋርያዊት ክለብ ቬሪንክቫፎዚ 5 ብ 1 ክትዕወት እንከላ፡ ጀርመናዊት ክለብ ዶርትሞንድ ድማ ብኢጣልያዊት ክለብ ላዝዮ 3 ብ 1 ተሳዒራ ። ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ሎሚ ምሸት፡ ሪያል ማድሪድ ኣንጻር ሻኽታር ዶኔስክ፡ ባየር ሙኒኽ ኣንጻር ኣትሌቲኮ ማድሪድ፡ ኢንተር ሚላን ኣንጻር ብሩስያ ሞንሽንግላድባኽ፡ ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ፖርቶ፡ ኦለምፒያኮስ ኣንጻር ማርሲልያ፡ ኣያክስ ኣሚስተርዳም ኣንጻር ሊቨርፑል፡ መትዮላንድ ኣንጻር ኣትላንታ ቐጺሉ ከምሲ እዩ።