ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ሞት ይእወጅ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። ንሱ ኣብታ ብኲናት እትሳቐ ዘላ የመን፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ብምቕራብ፡ ህዝቢ ካብ ዓጸቦ ንምድሓን ተባሂሉ ካብ ዝተኻየደ ኣህጒራዊ ሓገዝ ፍርቁ ጥራይ ከም እተረኽበ ገሊጹ’ሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሽወደንን ስዊትዘርላንድን ኣቢሉ ብሰኑይ ናይ 3.85 ቢልዮን ዶላር ምትእኽኻብ ሓገዝ እኳ እንተጸውዐ፡ እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ፡ 1.7 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑን ኣመልኪቱ።
ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ ሎሚ ንየመን ዝተገብረ መጠን ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ዘሕዝን እዩ ክብል ከምዝጸሓፈ ተፈሊጡ።
ንዂሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብርካት ግቡኦም ዝፈጸሙ ብልቢ እናመስገንኩ ነዚ ኣብ ዝሓለፋ 10 ዓመታት ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ጥሜት የመን ንምግታእ እቲ ዝግብኦም ንምፍጻም ዳግማይ ክሓስቡሉ እጽውዕ” ኢሉ።
ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ፡ ሰፊሕ ቦታታት የመን እንተላይ ሰንዓ ኣብ 2014 ድሕሪ ምቊጽጻሮም ኲናት የመን ከም ዝተባርዐ ይግለጽ። ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብኣመሪካ ዝድገፍ ወተሃደራዊ ኪዳን ብምቛም ነቲ ኣፍልጦ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝነብሮ ፕረሲደንት ዓብደረቦ መንሱር ሃዲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ እቲ ውግእ ኣብ 2015 በርቲዑ ምቕጻሉ ይፍለጥ። ስዑዲ ዓረብ ብቕልጡፍ ክውዳእ እዩ ዝበልዎ ናብ ዝተናውሐ ኲናት ምዕራጉን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ እተባህለሉ ሰብኣዊ ቅልውላው ክኽሰት ከም ዝገበረን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ። በዚ ዝቐጸለ ኲናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣብ ትሕተ ቕርጺ እታ ሃገር ገዚፍ ዕንወት ከም ዝበጽሐን ሚልዮናት ድማ ናብ ዝኸፍአ ጥሜት ከም እተቓልዑን ይፍለጥ።
ኣብዚ ብሰኑይ እተኻየደ ልዕሊ 100 መንግስታትን ለገስቲን እተሳተፉሉ ኮንፈረንስ፡ ካብ ናይ ዓሚ ዝውሕድ ገንዘብ እዩ መብጽዓ ተኣትዩ ዘሎ፡ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣብዚ ኮንፈረንስ ኣመሪካ 191ሚልዮን ስዕዲ ዓረብ 430 ሚልዮን ከምኡውን ጀርመን 241 ሚልዮን ዶላር ከም እተመጻብዓ ተፈሊጡ’ሎ።
ብምኽንያት ምንቊልቋል ሓገዝ፡ ከምኒ ኣገልግሎት ጥዕናን ምክፍፋል መግቢን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ከቋርጹ ከም ዝተገብረ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ኣሃዛት እቲ ውድብ፡ ኣብዚ ዓመት፡ 16 ሚልዮን የመናውያን ናይ ጥሜት ሓደጋ ከጋጥሞም ከም ዝኽእልን ድሮ 50 ሽሕ ኣብ ዓጸቦ ከምዝርከቡን 400 ሽሕ የመናውያን ቈልዑ ብስእነት መኣዛታት መግቢ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣጠንቂቑ’ሎ።