ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፥ ኣብ መንጎ ውድባት ኣስራሕቲን ማሕበራት ንግድ ሰራሕተኛታትን ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ናይ ሓባር
ስምምዓት ተበጺሖም። ኣብዚ ስምምዕ ካብ ዝኣተዉ ሓደ፥ ወሰኽ ደሞዝ ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ሰራሕተኛታት እዩ። እቲ ቀዳማይ
ዓብዪ ውዕል ብዓርቢ ምሸት እዩ ተፈጺሙ። በዚ ድማ ማሕበር ንግድ–ኢየፍመታል-ን ማሕበር ስራሕቲ ኢንዱስትሪን ኣብ
ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። እዚ ስምምዕ፡ ን ዝተረፈ ዕዳጋ ሽቕለት እውን ድሕረ ባይታ ዘንጽፍ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ
ስምምዕ 3 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ኢንዲስትሪ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብጠቕላላ ናይ 7.4% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም እዩ።
እቲ ወሰኽ ሎም ዓመት 4.1% ዝመጽእ ዓመት ከኣ ናይ 3.3% ክኸውን እዩ።
በዚ ውዕል ዕግብቲ ምዃና፥ ፕረሲደንት ማሕበራት ንግድ ሽወደን ማሪ ኒልሰን ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ንሳ ‘ህሉው ኲነታት ኣብ
ግምት ብምእታው ዝበለጸ ዝበሃል ውዕል ኢና ጌርና ዘሎና” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
እዚ ወሰኽ ደሞዝ ን ህሉው ዝቕባበ መሊሱ ዝውስኽ ኣይኮነን ክብሉ ማሕበራት ከምኡ’ውን ኣስራሕቲ ገሊጾም ኣለዉ።