ተመራመርቲ ኣብ ሩባታት፥ ውቅያኖሳት ገማግምን ምድርቤት ባሕሪታትን ዝተጓሕፉ 12 ሚልዮን ቊርጽራጽ ጓሓፍ ድሕሪ ምምርማር 80 ሚእታዊት ማያዊ ኣካል ዓለምና ዝብክል ዘሎ ፕላስቲክ እዩ ክብሉ ገሊጾም።
44% ካብዚ ፕላስቲክ ድማ መትሓዝ “ቴክ ኣውት ጠለብን” መስተን ምዃኑ ወሲኾም ሓቢሮም።
ዳርጋ 50% ካብ ኣጠቓላሊ ጎሓፍ ዓለምና ምስ መግቢ እተኣሳሰረ ምዃኑ ምግራም ከም ዝፈጠረሉ መራሒ ጒጅለ ናይቲ መጽናዕቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻዲዝ ስፔይን ዝሰርሕን ዶክተር ካርመን ሞራለዝ ይሕብር።
እዚ ስራሓት ፕላስቲክ ኣብ መላእ ማያት ዓለምና እንተደርበየ ንብዝሓ ህይወትን ጠቕላላ ጥዕና ወዲሰብን ዓብዪ ጠንቂ ሕማማት ይኸውን ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ካርመን ኣብ ክንዲ ፕላስቲክ ክምስርሑ ዝኽእሉ ግዛዓት ምጥቃም ክዝውተር ጻውዒት ጌሩ’ሎ።
ኣብ መጽሔት Nature Sustainablity ጽሑፍ ዘቕረቡ እዞም ጒጅለ ዝስዕባ ክልተ ለበዋታት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
1. ናይ ፕላስቲክ መትሓዝ መግቢን መስተን ብኻልእ ተመስራሒ ነገር ክቕየር
2. ኣብ ስርሓት ፕላስቲክ ዝኾኑ ሳንጣታት እገዳ ክግበር