ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዕዳጋ ሃገራት ኖርዲክን ዓማዊል ሽወደን ብዘይ “ቫት” ዝኸፍልዎን ዋጋ ኤለትሪክን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ዝሓለፈ
ዓመት ብናህሪ ምውሳኹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ነዚ ጒዳይ ብምቕላብ ግብረ መልሲ ካብ ዝሃቡ ሰባት ሓደ ኣንደርስ ኦስለን ካብ
ኣልቨስታ እዩ።
"ናይ ዝሓለፈ መስከረም ቢል ኤለትሪክ ምስ መጸ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዋጋታት ብምውድዳር ናይ 30 ሳናቲም ወሰኽ ዋጋ ከም
ዝገበረ ክርዳእ ክኢለ” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።