ኣብ ኣዋርሕ ሰነን ቀዳማይ መፋርቕ ሓምለን፡ ኣብ መላእ ሽወደን ዋጋታት ንብረት ምንቊልቋል ይቕጽሉ ምህላዎም፡ ካብ ትካል ቫልዩጋርድ እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም።
ብዘይካዚ ብምኽንያት እዚ ክስተት፡ ንብረት ንምሻጥ ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስድ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሸየጥቲን ሸመትቲን ዋጋታት ንብረት ክልወጡ እዮም ኢሎም ትጽቢት ኣሕዲሮም ምህላዎም፡ ኣካያዲት ኤጀንሲ ሪል እስቴት ዞባ ስቶክሆልም–ብዩርፎርስስ–ክሪስቲና ሄንሪክሰን ኣመልኪታ።