ዋጋ ሓደ ኦንስ (31.1 ግራም) ወርቂ ንፈለማ ግዜ ልዕሊ 2000 ዶላር ክኸውን ከምዝኸኣለ ዓለማዊ ዋጋታት ዕዳጋ ወርቂ ሓቢሮም። ኣብ ቀዳሞት ሰዓታት ናይ ሎሚ መዓልቲ ዋጋ ሓደ ኦንስ ወርቂ 2030 ዶላር በጺሑ ምንባሩን ንግሆ ግን እቲ ዋጋ ናብ 2022 ከምዝወረደ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣውፈርቲ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው፡ ንወርቂ ከም መድሓኒ ዝጥቀምሉ ብምዃኖም፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ጠለብ ወርቂ ብርኡይ ክውስኽ ክኢሉ እዩ። ዋጋ ወርቂ፡ ካብቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት ዝነበረ ዋጋ (1500 ዶላር ዋጋ ሓደ ኦንስ) ብዘይ ምቁራጽ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ወሰኽ ከርኢ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ ዓመተ 2011 ዋጋ ሓደ ኦንስ ወርቂ 1900 ዶላር ብምብጽሑ ክብረ ወሰን ሒዙ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ቁጽሪ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ተሰይሩ ምንባሩ ይዝከር። ሎሚ ድማ እቲ ዋጋ ሰማይ ዓሪጉ ክበሃል ይኽእል።
ዋጋ ዶላር ኣብ ዕዳጋታት ወጻኢ ሸርፊ ብምጉዳሉ ናብ ወርቂ ዝነበረ ኣድህቦ ክብ ክብል ከምዝኸኣለ ክኢላታት ይገልጹ።