ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ብመንገዲ ፖስታ ዝላእኹ ናይ ውሽጢ ሃገር መልእኽትታት ሚዛኖም ካብ 50 ግራምን ልዕሊኡን ንዝኾኑ ዋጋ ኣገልግሎት ብ 20% ከም ዝውስኽ ሃገራዊ ካምፓኒ ፖስታ፡ ፖስትኖርድ፡ ሓቢሩ። ስለዚ እቲ ሓድሽ ዋጋ 11 ክሮነር ክኸውን እዩ። ፖስትኖርድ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዋጋታት ኣገልግሎት ፖስታ ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝኾነ ድማ ብ5% ብምውሳኽ ናብ 22 ክሮነር ክብ ከብሎ እዩ።
ፖስትሮድ ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ምኽንያት ድማ ነቲ ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሕዚ ፖስታ ምርኩስ ብምግባር እዩ። እቲ ዝለእኽ መልእኽትታት ዝርጋሐኡ እናወሓደ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዋጋ ኣገልግሎት ክውስኽ ዘኽእል ሕጊ እዩ።