ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ዋጋታት ኣስቤዛ ብፍላይ ድማ ዋጋታት ፍረታት ወሲኹ ከምዝነበረ ይዝከር። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ግን ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም ዋጋታት ከንቆልቅሉ ከም ተራእዩ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ምስ ናይ ዓሚ ክነጻጸር እንከሎ: ብሓፈሻ ዋጋታት ኣስቤዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብ2.5% ምውሳኹን ዋጋታት ፍረታት ድማ ብ13.5% ወሲኹ።
ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም ዋጋታት ኣስቤዛ ክጎድሉ ተራእዮም። ብፍላይ ድማ ዋጋታት ኣሕምልቲ ብ3.5% ምጉዳሎም ተፈሊጡ ኣሎ።
ሃገራት ዶባተን ክኸፍታ ምስ ጀመራ፡ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሃለኽቲ ክበዝሑ ስለዝጀመሩ ዋጋታት ውን ብኡ መንጽር ክጎድሉ ጀሚሮም ክትብል ኣብ ጨንፈር ምቁጽጻር ሓላፊት ክፍሊ ሓበሬታ ዋጋታት ሃለኽቲ፡ ብሮኒልዳ ሳንዲን፡ ገሊጻ።
ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ዋጋታት ኣስቤዛ ከምዘለዎ ክቕጽል ተኽእሎታት ኣሎ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ዓመት ዝረኣናዮ ናይ 2 ክሳብ 3% ወሰኽ ዋጋታት ክህሉ እዩ። ጽልዋ ናይ ቅልውላው ኮሮና ከምቲ ኣብ ግዜ ድርቂ ዝነበረ ክብሪ ዋጋታት ዝዳረግ ኣይኮነን ክብል ኣብ ኩባንያ መግቢ ክኢላ ቁጠባ ዝኾነ ካርል ኤክርዳል ገሊጹ።