መንግስቲ ቻይና፡ ብዘይ ቀጥታዊ ኣገባብ እቲ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ ወናኒ ኩባንያ መንገዲ ኣየር ኖርወጅያን ምዃኑ TT ሓቢሩ። ቻይናዊ ኩባንያ Boc Aviation ካብ ብርክታት ኩባንያ መንገዲ ኣየር ኖርወጅያን ልዕሊ 12% ከም ዝወነነን ተፈሊጡ። ኩባንያ Boc Aviation ብተዘዋዋሪ መንገዲ ናይ መንግስቲ ቻይና ምዃኑ ይንገር። ኩባንያ ኖርወጅያን ካብ ዝነበራ ከቢድ ዕዳ ንምንጋፍ ንዝነበራ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ዕዳ ናብ ብርክታት ከምዝቐየረቶ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኩባንያ ኖርወጅያን፡ ናይ ልቓሕ ውሕስነት ዝጠልቦም ረቛሒታት ከም ዘማልአት ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን ኖርወይ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኩባንያ ኖርወጅያን ንዝነበራ ከቢድ ዕዳ ንምቅላል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝነኣድ ነሩ ክትብል ሚኒስተር ንግዲ ኖርወይ፡ ኢዚሊን ኒቦ፡ ሓቢራ። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ኣብ ዝነበር ናይ ኦስሎ ዕዳጋ (stock exchange market) ዋጋ ብርክታት ኩባንያ ኖርወጅያን ብ42% ከምዝጎደለ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅልውላው ኮሮና ክምዝምዛ ካብ ዝኽእላ ሃገራት ክንጥቀቕ ይግባኣና፡ ብፍላይ ካብ ቻይናን ሩስያን። ንቁጠባዊ ቅልውላው ሽወደናውያን ኩባንያታት ብምምዝማዝ ብርክታተን ብምግዛእ ንመጻኢ ሂወት ሽወደን ጸልየን ንሽወደን ከዳኽማ ስለዝኽእላ ዓቢ ኣቕልቦ ክንገብር ይግባኣና ክብል መርበብ ስለያ ሽወደን Säpo ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣጠንቂቑ ከምዝነበረ ይዝከር።