ዋና ጸሓፊ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና: ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም: ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑ: ዓጸቦን ጥሜትን ብናህሪ ይጋገዱ ምህላዎም ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ: ኣገልግሎት ጥዕና ምዕናዎምን ጾታዊ ምድፋር ደቀንስትዮ ብሰፊሑ ይፍጸም ምህላዉን ድማ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ዂነታት: ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን ዝበለ ዶ/ ር ቴድሮስ: 4.5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ: ህጹጽ ሓገዝ ረድኤት ከም ዘድልዮ ብዙሓት ድሮ ብሰንኪ ጥሜት ክሞቱ ምጅማሮምን ዓጸቦ ብናህሪ ይጋደድ ምህላዉን ኣመልኪቱ።
ኣህጉራውያን መራሕቲን ውድባትን እውን ኣብ ትግራይ: ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ምኽሳቱ እንተኾነ ረድኤት ናብቲ ዝደልዮ ህዝቢ ከይበጽሕ: መንገዲ ብሰራዊት ኤርትራ ይዕጾ ምህላዉ ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ሓያላት ሃገራት ብዘይምኽንያት ጸቕጢ ንምግባር ዘካይዳኦ ዘለዋ ወፍሪ እዩ ብምባል መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ። ብዘይካዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ፈጺሙ ከም ዘይዛተ ገሊጹ’ሎ።