ኲባንያ ዋትስኣብ ብፌይስቡክ ዝውነን ኮይኑ ኣብ መጻኢ ብሉይ ናይ ዋትስኣብ ኣፕሊኬሽን ንምርሕራሕ መደብ ኣለዎ ተባሂሉ። በዚ ድማ ጽንሕ ዝበላ ሞዴላት ስማርትፎን ዝጥቀሙ ዓማዊል ካብ ተጠተቃምነት ክእለዩ ምዃኖም ተገሊጹ። ብመሰረት ጀርመናዊ መርበብ ሓበሬታ ኔትስቨልት እቲ ኲባንያ ናይ ብሉያት ስማርትፎን ኣፕሊኬሽን ኣብ ለካቲት 2020 ክዓጽዎ እዩ። ስለዚ ድማ ተጠቀምቲ ኣይፎን ኦፐረይቲን ሲስተሞም ክሕደስ ክገብሩ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። እዚ ንተጠቀምቲ ኣንድሮይድ እውን ከም ዝምልከት እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ’ሎ።