ቆልዑ ምውላድ ንእተሸገሩ ጽምዲ፡ ብሰብሰርሖ መንገዲ ናይ ጽግያት ኣገልግሎት (Artificial Insemination) ይህባ ካብ ዝነበራ ሸሞንተ ዞባታት ሽወደን፡ እተን ሾብዓተ ሕጽረት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቚሖን ከም ዘለወን፡ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ሕጸረት፡ ኣብቶም ዘይኣውሮጳውያን ሰባት ጎሊሑ ከም እተራእየ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
ኣይዲ ቶራይን ኣማንዳ ዘተርገን፡ በዚ ሰብሰርሖ ኣገባብ ነፍሰጾር ክኾና ክጽዕራ ዝጸንሓ እየን። ሆስፒታል ካሮሊንስካ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ገለ ክፋላት ኤስያን ለገስቲ ዘርኢ ወደ ተባዕታይ ክደሊ ጻዕሪታት እኳ እንተገበረ ዛጊት ኣዝዮም ውሑዳት ለገስቲ ጥራይ ከም እተረኽቡ ገሊጹ’ሎ።