ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ነቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ቀይዲ መገሻታት ብምፍኳስ ካብ ዕለት 30/06/2020 ጀሚሩ ናብ 10 ኤውሮፓውያን ሃገራት ክግየሽ ከምዝከኣል ሓቢሩ ኣሎ። እተን ንሽወደናውያን በጻሕቲ ከአንግዳ ቅሩባት ዘለዋ ሃገራት ድማ፡ ቤልጂም፡ ፈረንሳይ፡ ግሪክ፡ ኣይስላንድ፡ ጣልያን፡ ክሮኤሽያ፡ ሎክሰምበርግ፡ ፖርቱጋል፡ ስዊዘርላንድን እስፓኛን እየን ክትብል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንዲ፡ ከምዝሓበረት SVT ኣመሓላሊፉ።
ናብተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ሃገራት ሸንገንን ዝነበረ ቀይዲ መገሻ ከምቀደሙ ከምዘሎን ክሳብ ዕለት 15/07/2020 ዘሎ ግዜ ድማ ዘይተደልየ መገሻታት ካብ ምግባር ዝቕይድ መምርሒ ጽኑዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝጸንዐ ናይ መገሻ ቀይዲ ክሳብ 31/08/2020 ክናዋሕ ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።
ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝበጽሑ ሽወደናውያን እቲ ናይ ውሸባ ግዜ ስለዝምልከቶም ግዜኦም ከየባኽኑ ናብዘን ሃገራት ምጋሽ ከቋርጹ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ይመክር።
ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎ ሰብ ክገይሽ ከምዘይግበኦ እታ ሚኒስተር ኣዘኻኺራ።

እዋናዊ ኩነታትን ምዕባሌታትን ንምክትታል፡ ኩሎም ገያሾ “Resklar” ዝበሃል ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም ኣብ ሞባይላቶም ከውርዱ እታ ሚኒስተር ተማሕጺና።