ቅድሚ 5 ዓመት ትሕቲ ዕደመ ከሎ ናብ ሽወደን ዝመጸ ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ዳኒኤል ተስፋዝጊ ተቀማጣይ መሪስታድ ተዓዋቲ 250 ሽሕ ክሮነር ብሙኻን ትማሊ ትካል ትሪስ ኣብ መርበባቱ ሓቢሩ። እዚ ወዲ 21 ዓመት ተመሃራይ ኮይኑ ናይ መጻኢ መዳባቲ ድማ መምርሒ ፈቃድ መኪና ምሓዝን መንበሪ ቤት ምውናን ሙኻኑ ብምሕባር፣ ንሱ ወሲኹ ኣብ እዛ ሎተሪ ኣብ ሊድሾፒንግ ከምዝዓደጋን ኣብ መንበሪኡ ኣብ ዝሓኸከሉ ግዜ ክኣምን ከምዝይክኣለን ገሊጽ ምክንያቱ ቡዙሕ ግዜ ገዚኤ ስለዘይበጽሓኒ ክብል ሓቢሩ። በዚ ኣጋጣሚ ኣልኮምፒስ ክፍሊ ትግርኛ እንዃዕ ሓጎሰካ ንብል።