ወኪል ስለያ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት እታ ሃገር ነበር ጃኮብ ዙማ ካብ መርመራ ብልሽውና ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ስቱራት ስርሒታት ሚልዮናት ዶላራት ከም ዝባኸነ ቢቢሲ ገሊጻ።
እዞም ክሲታት በቶም ኣብ መርመራ ብልሽውና ዝዋፈሩ ትካላት ዝወጹ ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ክሲ ደያኑን ጋዜጣታትን እታ ሃገር እቱዋት ከም ዝኾና ወሲኹ ሓቢሩ።
በዚ ድማ ፕረሲደንት ዙማ ነቲ ሃገራዊ ትካል ዝኾነ ወኪል ስለያ ናይ ባዕሉ ነውሪ ኣብ ምሽፋን ኣውዒልዎ ምጽንሑ ስፍሕ ዝበለ ክሳዊ ሓበሬታ ወጺኡ ኣሎ።
ዙማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓለን ዓሰርተ ዓመታት ብርክት ዝበለ ናይ ብልሽውና ክሲታት ክቐርበሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት መሰኻኽር ብርክት ዝበለ ገንዘብ ካብዚ ትካል እናወሓዘ ነቶም ናይ ብልሽውና መሻርኽቱን መዕጸዊ ኣፍ ጋዜጣታትን መርመርትን ውዒሉ እዩ። ብዘይካዚ ትካል ቤትፍርዲ እውን ኣብዚ ስቱር ስርሒት ምትሕብባር ምግባሩ ኣብቲ ክሲ ተጠቒሱ ኣሎ።