ሮማን ኣብራሞቪች፡ ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ኣብ ጸገም ጥዕና ከም ዝወደቐን፡ ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእልን ተሓቢሩ።
ሩስያዊ ቢልየነር ሮማን ኣብራሞቪች ብሰንኪ ምስማም ኣብ ጸገም ጥዕና ከም ዝኣተወ ካብ ዝቐርብዎ ምንጪታት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብራሞቪች ንዝርርብ ሰላም ዩክረይንን ሩስያን፡ ኣብ ፈለማ’ዚ ወርሒ ናብ ዶብ ዩክረይን-ቤላሩስ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እቲ ቢልየነር ኣብዚ እዋን ናብ ዝሓሸ ኵነታት ጥዕና ከም ዝተመልሰን፣ ቃንዛ ዓይንን ምቅርራፍ ቆርበትን ግን ይረኣዮ ምህላውን ተሓቢሩ።
ካልኦት ክልተ ንዩክረይን ዝወከሉ ተሸማገልቲ’ውን ግዳይ እቲ ምስማም ከም ዝዀኑ ይዝረብ።
እቲ ምስማም፡ በቶም ነቲ ዘተ ንምትእጉጓል ዝሸርሑ ሕሉፋት ፖለቲከኛታት ሩስያ ዝተዋደደ ከምዝኾነ ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።
ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ግን፡ “ከባቢያዊ ለውጢ” ዘኸተሎ እምበር ምስማም ከምዘይኮነ ምዝራቡ ሮይተረስ ገሊጹ።
ኢሆርን ዞቭካቭ ዝተባህለ ሹመኛ ቤተ መንግስቲ ዩክረይን ብወገኑ፡ ንኣብራሞቪች’ኳ እንተዘየዘራረቦ፡ እቶም ልኡኻት ዩክረይን ግን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዘለዉን፣ ሓደ ካብኦም’ውን እቲ ሓበሬታ “ሓሶት’ዩ” ከም ዝበሎን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
BBC TIGRINJA